ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 100 ሚሊየን ንምብፃሕ ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 100 ሚሊየን ንምብፃሕ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬሀይወት ታምሩ።
ናይቲ ትካል ናይ ሰለስተ ዓመት ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝጠመተ መብርሂ ዝሃባ እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ፥ ኢትዮ ቴሌኮም ክሳብ 2028 ዓ.ም.ፈ “ዲጂታልን ካብኡ ንላዕሊን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ኢትዮ ቴሌኮም ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንምዕዋን ቀዲሙ ከም ጂ፣ 5ጂ፣ ቴሌ ብር፣ ቴሌ ገበያ፣ ስማርት ሲቲን ስማርት ግብርናን ዝበሉ ፕሮጀክትታት ዕላዊ ምግባሩ ኣዘኻኺረን።
እቲ ትካል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ፅርየትን ተበፃሕነትን ቴክኖሎጂ ንምስፋሕ ራብዓይ ተውልዲ(4ጂ) ኔት ዎርክ ተረባሕቲ ናብ 99 ሚኢታዊ ከብ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፀን።
ብሓፈሻ ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 100 ሚሊየን ንምብፃሕ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።
ብመሰረት እዚ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምዕዋት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ዝለዓለ ግደ ንክህልዎ ንምግባር ግቡእ ቆላሕታ ከምዝግበር ዘሎ ተዛሪበን።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna ፡
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!