ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ 88 ሚሊየን ንምብፃሕ ተሊሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ 83 ነጥቢ 2 ሚሊየን ቁፅሪ ዓማዊሉ ናብ 88 ሚሊየን ንምብፃሕ ትልሚ ሒዙ።
እቲ ትካል ስትራቴጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመትን ናይ ቀፃሊ ዓመት ትልሚ ስርሑን ኣፋሊጡ።
ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ትካል ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ስትራቴጂ ትልሚ 10 ዓመት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ምዕባለን ስትራቴጂን ኢትዮጵያ ተሓሳቢ ዝገበረ ትልሚ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ዲጂታል ብግልፂ ብምፍላጥ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪት ንክትከውንን ዝሓሸ ለውጢ ንክመፅእን ዘኽእል ኢዩ ኢለን።
ብሰማኸኝ ንጋቱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!