ኢትዮ ቴሌኮም “ቴሌስትሪም” ዝተሰመየ ዲጂታል ኣሰራር ኣጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም “ቴሌስትሪም” ዝተሰመየ ዲጂታል ኣሰራርሓ ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ከምዝበለኦ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ዝህቦ ኣገልግሎት ዕዙዝ ንምግባር ዘኽእል ተግባር እናወገነ ይርከብ።
“ቴሌስትሪም” ዝተብሃለ ዲጂታል ኣሰራር ንዓማዊል ካብ ዝህቦ ልዑል ረብሓ ሓሊፉ ናይ ኢትዮጵያ ኣታዊ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢለን።
ንሓደሽቲ ዕድላት ፈጠራ ስራሕ፣ ንትሕዝቶ ፈጠርቲ ከምኡ እውን ዲጂታል ተረባሕነት ዜጋታት ንምድንፋዕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።
ዜጋታት ሓበሬታታት ትምህርቲን ጥዕናን ብቐሊሉ ንኽረኽቡን ፍርያትን ኣገልግሎቶምን ንኸፋልጡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ቴሌስትሪም ንኩሎም ኣገልግሎታት ዝወሃብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ውሽጢ ሃገር ቻናላት ተበፃሕነት ዘስፍሕ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!