ኢትዮ ቴሌኮም 162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ
ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ትካል ኣብቲ ዓመት ዝነበሮ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝጠመተ ፀብፃብ ኣቕሪበን።
ኣብ መብርሂአን፥ ፍልፍል እቶት ብምስፋሕ ብዙሓት ስራሕቲ ምክያዶም ኣብሪሀን።
ኣብቲ ዓመት 162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምርካቡ ብምግላፅ፥ እቲ እቶት ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 73 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፀን።
ኣብቲ ዓመት 76 ቢሊየን ብር ዘይተፃረየ ትርፊ ምርካቡን ብመሰረት እዚ ናይቲ ትልሚ 104 ሚኢታዊ ምዕዋቱ ሓቢረን።
ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ6 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ምውሳኹ አወን ተዛሪበን።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!