Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም 162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ትካል ኣብቲ ዓመት ዝነበሮ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝጠመተ ፀብፃብ ኣቕሪበን።

ኣብ መብርሂአን፥ ፍልፍል እቶት ብምስፋሕ ብዙሓት ስራሕቲ ምክያዶም ኣብሪሀን።

ኣብቲ ዓመት  162 ቢሊየን ብር ኣታዊ ምርካቡ ብምግላፅ፥ እቲ እቶት ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 73 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብቲ ዓመት 76 ቢሊየን ብር ዘይተፃረየ ትርፊ ምርካቡን ብመሰረት እዚ ናይቲ ትልሚ 104 ሚኢታዊ ምዕዋቱ ሓቢረን።

ቁፅሪ ዓማዊል እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ6 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ምውሳኹ አወን ተዛሪበን።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.