ኢንሳ ሰብ ተውህቦ ሰገናት ኣብ ስልጠና ሳይበር ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን(ኢንሳ) ሰብ ተውህቦ ሰገናት ኣብ መርሃ ግብሪ ቻሌንጅ ሰመር ካምፕ ሳይበር ታለንት ንክኝዝገቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኢንሳ ኣብ ዝሓለፊ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ብዓውዲ ሳይበር ድሕንነት ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ሰገናት ብምስልጣን ናብ ትካሉን ካልኦት ሳይበር ኢንዱስትሪታትን ንክፅንበሩ ገይሩ ኢዩ።
ሎሚ ዘበን ድማ ንመበል ራብዓይ ዙር ኢትዮጵያ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ተምሃሮ ክሳብ ተመረቕቲ ዩንቨርስቲ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ብምምልማል ንምስልጣን ምድላው ከምዝተገበረ ዳይሬክተር ማእኸል ምርምር ሳይበር እቲ ትካል ቢሻው በየነ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብሳይበር ድሕንነት፣ ኢምቤድድ ሲስተም፣ ኤሮስፔስን ተመሳሰልቲ ዓውዲታትን ፍሉይ ተውህቦን ባህጊን ዘለዎም ብ www.talent.insa.gov.et ንክምዝገቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሉእላውነት ሳይበር ሃገር ዘኽብሩ መናእሰይ ንምፍራይ እቲ ስልጠና ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊየን ዝወሰዱ ሰገናት ተቐባልነቶም ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብማህሌት ካሳሁን