ኢንተርፖል ዶብ ሰገር ገበናት ንምውጋእ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ንምውጋእ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ክሰርሕ እየ ኢሉ፡፡
ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ፕሬዚዳንት ኢንተርፖል ኣሕመድ ናስር ኣል ራይዚ ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ኣቦ ወንበር እቲ ሕብረት መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ኢንተርፖል ሕጊ ብምኽባርን ዓለም ለኸ ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ምሕላው ዝግበር ምትሕብባር ንኢዶም፡፡
ኢንተርፖል ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከቡ ምትሕብባር ፖሊስ ሕብረት ኣፍሪካ (ኣፍሪፖል) ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣሕመድ ናስር ኣል ራይዚ ብግዲኦም፤ ትካሎም ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር ቆራፅ ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ንምውጋእን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኢንተርፖል ኣፍሪካ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ምስርሑ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!