Fana: At a Speed of Life!

ኢንተር ሚላን ምስ ሊቨርፑል – ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እዚ ዕለት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 6ይ ዙር መርሃ ግብሪ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ትሽዓተ ፀወታታት ክግበሩ ኢዮም፡፡

ሊቨርፑል ናብ ጣሊያን ብምምራሕ ምሸት ሰዓት 5 ምስ ኢንተር ሚላን ትገጥም እንትትከውን፥ ቼልሲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምስ ካሊእ ጋንታ ጣሊያን ኣታላንታ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ፡፡

ሊቨርፑል ምስ ኢንተር ሚላን ካብ ዝገበረቶም ሽዱሽተ ፀወታታት ኣርባዕተ ግዘ ብምዕዋት ልዕልነት ዘለዋ እንትትከውን፥ ኢንተር ኣብ 2 ፀወታታት ዓወት ቀኒዑዋ፡፡

ባየርን ሙኒክ ምስ ስፖርቲንግ ከምኡ እውን ካይራት ኣልማቲ ምስ ኦሎምፒያኮስ ምሽት ሰዓት 2፡45 ክራኸባ ኢየን፡፡

ባርሴሎና ምስ ኢንትራክት ፍራንክፈርት፣ ሞናኮ ምስ ጋላታሳራይ፣ ፒኤስቪ ኣይንድሆቨን ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድ፣ ኡኒየን ሴን ጂሎስ ምስ ማርሴ፣ ቶተንሃም ሆስትፐርስ ምስ ስላቪያ ፕራግ ብተመሳሳሊ ሰዓት 5 ዝካየዱ ናይዚ ዕለት መርሃ ግብሪታት ኢዮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.