ኢኖቬሽን ብምጥቃም ህንፀት ዘመናዊ ሰራዊት ክነሳልጥ ትፅቢት ይግበር- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓቕሚታት ኢንተርፕሪነርሺፕን ኢኖቬሽን ተጠቒምና ህንፀት ዘመናዊ ሰራዊት ምስላጥ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡
መርሃ ግብሪ ምስረታ ምክልኻል ማእኸል ኢንተርፕሪነርሺፕን ኢኖቬሽን እናተኻየደ ይርከብ፡፡
እቶም ኢታማዦር ሹም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኸቲ÷ ድሕሪ ለውጢ ብምክልኻል ሰራዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተሰርሑ ልዑል ስራሕቲ ሪፎርም ዘመኑ ዝጠልቦ ዕጥቂ ንክህልዎ ምግባር ክኢሉ ኢሎም፡፡
ምክልኻል ንፖለቲከኛታት መሳርሒ ዘይኮነስ ልኡክትኡ ጥራሕ ዝፍፅምን ብኣተሓሳስባ ሓዊሱ ጥንኹር ንክኾን ኣብ ምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢት እናተረኸበ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝመስል ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ክኾኑ ዝተገበረ ምዃኑ ዝገለፁ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ኣብ ጥዕና፣ ሎጂስቲክስ፣ ሓበሬታ፣ ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ትምህርቲ ዝካየዱ ጠንኻራ ስራሕቲ ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡
ማእኸል ምስረታ ኢንተርፕሪነርሺፕን ኢኖቬሽንን ነቲ ትካል ኣብ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢታዊነት እቲ ሓደ መርኣያ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቲ ማእኸል ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተግባራዊ እናኾኑ ዝፀንሑ ኢትዮጵያ ግን ዕድለኛ ኮይና ክትትግብሮ ዘይከኣለት ምዃኑ ብምግላፅ፤ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ብምጥንኻር ልኡላውነት እታ ሃገር ኣብ ምሕያል ልዑል ግደ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን ነበር ኣባላትን ተሳቲፎም፡፡
ብታምራት ደሊሊ