ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ንዝሓሸ ለውጢ ኣፍሪካዊያን ዘለዓዕል ኢዩ-ፕሬዚዳንት ኣዛሊ ኣሱማኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ፥ ኢትዮጵያ እተመዝግቦ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ንኣፍሪካዊያን ንዝሓሸ ለውጢ ዘለዓዕል ኢዩ ኢሎም።
ኮሞሮስ ብመሰረት ዘቕረበቶ እንግዶት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ናፅነት ኮመርስ ኣብ ከተማ ሞሮኮ እንትኽበር ተዓዲሞም።
እቶም ፕሬዚዳንት ንዝተገበረሎም እንግዶት ብምምስጋን፥ ኢትዮጵያ ምስ ኮሞሮስ ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክብ ንምባል ዘለዋ ባህጊ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ብምግቢ ንባዕላ ንምኽኣል ብመሰረት ዝገበረቶ ፃዕሪ ጭቡጥ ለውጢ ምምፅኣ እወን ኣብሪሆም።
ኮሞሮስ ኣብ ዓውዲ ግብርና ካብ ኢትዮጵያ ልዑል ተመክሮ ክትወስድ ከምእትኽእል ሓቢሮም።
ፕሬዚዳንት ኣዛሊ ኣሱማኒ ብግደኦም፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ በዓል ምርካቦም ኢትዮጵያ ንኮሞሮስ ዘለዋ ክብሪ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ከልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ሓቢሮም።
ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ንዝሓሸ ለውጢ ኣፍሪካዊያን ዘለዓዕል ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!