ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ምስ ጣልያን ዘለዋ ርክብአዕቢዩ – ኣምባሳደር ደሚቱ ሃምቢሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ካብ ጣልያን ሓሊፉ ምስ ሃገራት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ አዕቢዩ ኢዩ ኢለን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣልያን ደሚቱ ሃምቢሳ፡፡
እተን ኣምባሳደር ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝተመስረተ ርክብ ኢትዮ – ጣልያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ተሰጋጊሩ ኢዩ።
ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሰርሑዎ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተሰርሐትን ኣብ ጣልያን ዝነበረትን ኣውሮፕላን ፀሓይ ናብ ሃገራ ተመሊሳ ኢያ ኢለን፡፡
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብራን ፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክመሓየሽ ከምዝገበረ ገሊፀን፡፡
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ዕቤት ኣርኢዩ ኢዩ ዝበላ ኣምባሳደር ደሚቱ÷ በዚ ድማ ብዙሓት ኩባኒያታት ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ክዋፈሩ ምግባረ ተኻኢሉ ኢለን፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
 
			 
				