ኢጋድ ሱዳን ናብቲ ትካል ሙሉእ ተሳትፎኣ ንምቕፃል ዘሕለፈቶ ውሳነ ተቐቢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ሪፐብሊክ ሱዳን ኣብቲ ትካል ሙሉእ ተሳትፎኣ ንምቕፃል ዘሕለፈቶ ውሳነ ብሓጎስ ይቕበል ኢሉ።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ሱዳን ናብ ኢጋድ ናይ ምምላስ ውሳነ ንዞባዊ ሓድነት፣ ምትሕብባርን ሓበራዊ ስጉምቲን ሓዱሽ ቆራፅነት የርኢ።
መስራቲት ኣባል ኢጋድ ዝኾነት ሱዳን ናብቲ ትካል ምምላሳ ናይ ሓባር ዞባዊ ማሕለኻታት እቲ ትካል ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!