Fana: At a Speed of Life!

ኣህጉራዊ ምትእስሳር ጋህዲ ንምግባር ግደ ሚዲያታት ልዑል ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣህጉራዊ ምትእስሳር ጋህዲ ንምግባር ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎም ኢሎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)።

መበል 15 ጉባኤ ማሕበር ኮሙኒኬሸን ምብራቕ ኣፍሪካ “ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ንምትእስሳር ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር ) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ውህደት ንምርግጋፅ ኣብ ጉዳያት መሰረተ ልምዓት፣ ንግዲ፣ ምትእስሳር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ካልኦት ጉዳያትን ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ፡፡

ብመራኸብቲ ሓፋስ እውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብበዝሒ ብዝዝረቡ ቋንቋታት ኪስዋሂሊን ዓረብኛን እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም፡፡

ኣህጉራዊ ምትእስሳር ብዘይ ንቑሕ ተሳትፎ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ጋህዲ ክኀውን ከምዘይኽእል እወን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ሚዲያታት ሓበራዊ መንነት ንምግላፅን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዘኽእሉ ብምሕባር÷ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሓበራዊ ኣጀንዳታት ምትእስሳር ናይ ምምካር ዕድል ከምዝህብ ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ማርጋሬት ጁኮ (ፕ/ር) ብግደአን÷ እቲ ጉባኤ ናይ ቴኮኖሎጂ ምርቓቕ ኣብ ዘፈር ሚዲያ ሒዙዎ ዝመፅአ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዝገትኡ ፍልጠታት ዝለዋወጡሉ ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ብመራኦል ከድር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.