Fana: At a Speed of Life!

ኣህጉራዊ ሸቶታት ንምዕዋት ቁልፊ ግደ ዝፀወት ሃፍቲ ማይ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ ሃፍቲ ማይ ንሸቶታት ኣህጉር ኣፍሪካ ንምዕዋት ቁልፊ ግደ ዝፃወት ኢዩ ኢሎም።

‘ዘላቒ ቀረብ ሃፍቲ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ስርዓታት ፅሩይ መስተ ማይን ምርግጋፅ፤ ንሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ቀዋሚ ኮሚቴ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካን ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረትን፣ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረትን ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ተሳቲፎም።

ካብ 4 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ.ም ንዝካየድ መበል 48 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 39ን ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረትን ዝቐርቡ ረቀቕቲ ኣጀንዳታት ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን መሓሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ናይዚ ዓመት ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትኹረቱ ኣብ ሃፍቲ ማይ ዝገበረ ኢዩ።

ጉዳይ ህልውና ወሳኒ ዝኾነ ሃፍቲ ማይ ኣህጉራዊ ሸቶታት ንምዕዋት ቁልፊ ግደ ይፃወት ኢሎም።

ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ30) ንሃፍቲ ማይ ትኹረት ብመሃብ ኣጀንዳ ብምግባር ከምዝዘተየሉ ብምሕባር፤ ቀረብ ሃፍቲ ማይን ድሕንነት ኣህጉራዊ ኣጀንዳን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ተተኣናግዶ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ32) ጉዳይ ማይ ቀንዲ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.