Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ኣብ ቀፃሊ 90 መዓልታት ዝስርሑ ስራሕቲታት ልምዓት ብቆራፅነት ክሳተፍ ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ.ኤም.ሲ) ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ 90 መዓልታት ዝስርሑ ስራሕቲታት ልምዓት ኣመራርሓ ብቆራፅነት ክሳተፍ ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ቀፃሊ 90 መዓልታት ዝስርሑ ኣጀንዳታት ምንቅስቓስ ብዝምልከት ንኹሎም ኣመራርሓታት ከተማ ኣንፈት ስራሕ ኣብ ዝሃባሉ እዋን ከምዝበልኦ፥ ኣዲስ ኣበባ ንነበርቲ ስሉጥ፣ ዘተኣማምንን ኩለመዳያውን ግልጋሎት ንምሃብ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ፡፡

ነዙይ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓደሽቲ ኢሊሼቲቫት ብምትግባር ንነበር ኣዲስ ኣበባ ምቹው ንምግባር ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚበን፡፡

ብ90 መዓልታት ምንቅስቓስ ኣብ ሕርሻ ከተማታት፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ስራሕቲ ሰናይ ክረምቲ ንምስራሕ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ንምቁፅፃር ብትኹረት ክሰርሕ እዩ ኢለን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ካልኣይ ዙር ልምዓት ኮሪደር ንምዝዛም፣ እቶት ንምዕባይ፣ ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ክቀላጠፍ፣ ዕድል ስራሕ ክፍጠርን ፍትሓዊ ኣገልግሎት ኣብ ምስላጥ ብትኹረት ክሰርሕ እዩ ክብላ ተዛሪበን፡፡

ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተተለሙ ተግባራት ብዓወት ንምዝዛም ኣመራርሓ ብዝተዋደደን ዝተናበበን መልክዑ ብምንቅስቓስ ተረባሕቲ ከረጋግፅ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲበን፡፡

ነዚ ድማ ጥቡቕ ስርዓት ደገፍን ክትትልን ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ዳይሬክተር ምምሕዳር ኦንላይን ሚዲያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ፕሬስ ሴክሬታሪያትብሩክሰው ይልማ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

እቲ ምንቅስቓስ ካብ 5 ሰነ ክሳብ ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ኣብ ዘለው መዓልቲታት ዝዛዘም እንትኾን ÷ 18 ዓበይቲ ተግባራት ክካየዱ እዮም።

ብመላኩ ገድፍ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.