Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ኣብ ፖሊሲን ትካላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ርክብ እውን ክካየድ ኢዩ-ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓ ኣብ ፖሊሲን ትካላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ርክብ እውን ክካየድ ኢዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስትር።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ኣብ መልላእ ሃገርና ስድራ በዓል ልደት ንምኽባር ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብ መንጎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስትር ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝተረኸቡ ገሊፁ።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኩሉ ግዘ ኣብ እዋን በዓላት ከምዝገብርዎ ትሑት እቶት ንዘለዎም ሰራሕተኛታትን እቲ ቤት ንዝድግፎምን ዘዕብዮምን ህፃናትን ውህብቶ በዓል ከምዝሃቡን መኣዲ ከምዝኣንገዱን ኣብሪሁ።

እዚ ድማ በቢዕለቱ ኣስተዋፅእኦም ጎሊሁ እንተዘይተዘረበ እውን ንሃገር ዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ዝሃበ፣ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት እውን ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ ከምዘለዎም ዘርእይ ፍቕሪ ዘካፈለ ተግባር ምዃኑ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.