Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካን ኢራንን ን45 መዓልታት ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ተደራደርቲ ኣሜሪካን ኢራንን ን45 መዓልታት ዝፀንሕ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ንምብፃሕ ይዛተያ ኣለዋ።
ኣብቲ ዘተ ምክትል ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጀዲ ቫንስ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራጋቺን ላዕለዋይ ኣዛዚ ፓኪስታን ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒርን ተሳቲፎም።
ብኣደራዳሪነት ፓኪስታን እናተኻየደ ኣብ ዘሎ ዘተ ን45 መዓልታት ዝፀንሕ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ንምብፃሕ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኲናት ብዘላቒ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ደው ምባል ብፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ገደብ ክዛዘም ዘለዎ ተኽእሎ ፀቢብ ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣሜሪካ ንሲቪል መሰረተ ልምዓት መጥቃዕቲ ከይትፍፅም ከምኡ እውን ኢራን ኣብ ወሽመጥ ገልፍ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳድን ማይን ሕነ ክትፈዲ ዝሓሰበቶ መደብን ዘተኮረ ዘተ እናተኻየደ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብሚኪያስ ኣየለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.