Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስ ሶርያ ዘለዋ ርክብ ምሕዳስ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ተነቢሩ ዝነበረት ማዕቀብ ክምተልዕሎን ርክባ ምሕዳስ ከምትደሊ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕላዊ ዑደት ዘካይዱ ዘሎው እቶም ፕሬዚዳንት፤ ምስ ፕሬዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዛትዮም፡፡

ኣቲ እዋን ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሃገሮም ምስ ሶርያ ርክብ ንምሕዳስ ኣብ ዝክኣልሎም ጉዳት ተድህብ ከምዘላ ተዛሪቦም፡፡

ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ፕሬዚዳንት ኣሕመድ ኣልሻራ መንግስቶም ንምጥንኻር ንዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ ከም ፅበቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ተዛቦም፡፡

ዘተ ትራምፕን ኣሕመድ ኣልሻራን ድሕሪ 2000 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ፈላማይ ዘተ ምዃኑ ሬውተርስ ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ሃገሮም ኣብ ልዕሊሶርያ ዝነበረ ማዕቀብ ከምዘልዕሉ ድሕሪ ምግላፅ፤ ሶርያውን ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ሓጎሶም እናለፁ ይርከቡ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.