ኣሜሪካ ኣብ ትካላት ኒውክሌር ኢራን ብቦምቢ ደብዲባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰለስተ ትካላት ኒውክለር ዝተፈፀመ ኢዩ።
ኣብ ሞንጎ ጎቦታት ዝርከብ ዛዓበየ ትካል ኒውክሌር ፎርዶው ድማ ቀንዲ ዒላማ ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ደብዳብ ቦምቢ ብዕዉት ኩነታት ዝፈፀመ ከምዝኾነ ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣረጋጊፆም።
ኢራን ኣማራፂ ሰላም ዘይትኽተል እንተኾይና እቲ መጥቃዕቲ ክቕፅል ኢ ክብሉ እውን ተሓኒዮም።
ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ጎንፂ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ቅዋመይ ከፍልጥ ኢየ ዝበለት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ነይሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!