ኣምባሳደር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኣቕሪቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት እታ ሃር ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ጊሌ ኣቕሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ዝህልዎም እዋን ስራሕ ኣብሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስትራቴጂያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ምትእስሳር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺካ ንምቕፃል፣ ሰላምን ምርግጋእን ንኽስፋሕፋሕ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ኣገንዚቦም፡፡
ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ክብ ናብ ዝበለ ደረጃ ንምብፃሕ ከምኡ እውን ሓበራዊ ክብሪታት ንምሕላው ቆራፅ ከምዝኾኑ ምግላፆም እቲ ኤምባሲ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!