Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምግቢ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሙና ኣብ ስኮትላንድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገረ ስኮትላንድ እንዳ ምግቢ ሓበሻ ዝኸፈተት ወይዘሮ ሙና ምግቢታት ኢትጵያ ብምፍላጥ ኣፍልጦ ኣትሪፋ ኣላ፡፡

ብባዕለ ሼፍ ሙና ዝተመስረተ እቲ ቤት ብልዒ ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝተለመደን መለለዪ ኢትዮጵያውያን ዝኾነን በየዓይነት፣ ጥብሲ፣ ክትፎ፣ ፀብሒ ደርሆ፣ ጥረ ስጋ፣ ሕሙቶን ሽሮን ዝበሉ ምግቢታት ዝርከቡሉ ሬስቶራንት ኢዩ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ናብ ስኮትላንድ ዘምርሑ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ምግቢ ዝለመዱ ስኮትላንዳውያን ብድሙቕ እንግዶት ንዓመታት ኣገልግሎት እናሃበ ፀኒሑ፡፡

ወይዘሮ ሙና ካብ ቤት ብልዒን ስራሕቲ ንግዲን ሓሊፉ ናይ ኢትዮጵያ ምግቢታት ናብ ዝተመረፁ ኣደባባያት  ሒዛ ብምውፃእ ክተፋልጥ ምኽኣላ ድማ ሬስቶራንታ ኣብ ወፃኢ ሃገር ካብ ዝተኸፈቱ ቤት ብልዒ ሓበሻ ዝተፈለየ ይገብሮ፡፡

ብዙሕ ግአ ምግቢታታ ኣብ ዋና ዋና ጎዳናታት ሒዛ ብምውፃእ እናተመገበት ካልኦት እውን ክምገቡ ትገብር ኣምባሳደር ምግቢ ኢትዮጵያ ሼፍ ሙና፤ መገደኛታት ምግቢ ብነፃ ክጥዕሙ እናገበረት ተለማምድ፡፡

በዚ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ትውለደ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ዜጋታት ስኮትላንድ ንኢትዮጵያ ምግባን ክፈልጡ ክትገብር ክኢላ፡፡

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ባህሊ፣ ክብሪ፣ ቋንቋ፣ ጭፈራን ሜላ ኣከዳድናን ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዮጵያውያን ብምፍላጥ ንሃገራ ናይ ኣምባሳደርነት ግደኣ እናተዋፀአት ትርከብ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.