ኣምባሳደር ሰላም ኮት ዲቫር ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ቼልሲ ዲዲየር ድሮግባ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣፍሪካ ውሩይ ተፃዋታይ እንትኾን ነበር ኮኮብ ቼልሲ ዲዲየር ቬስ ድሮግባ ብ1978 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣቢጃን ኮትዲቫር ተወሊዱ።
መብዛሕትኦም ዕዉታት ተፃወትቲ ፕሮፌሽናል ሂወቱ ኩዕሶ እግሪ ደንጉዩ ዝጀመረ ኣይቮሪያናዊ ዲዲየር ድሮግባ ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድሚኡ ንፈረንሳይ ክለብ ሊግ 2ይ ሌ ማንስ ፈለማ ፀወትኡ ኣካይዱ።
ኣብ 2003 ናብ ካሊእ ፈረንሳይ ክለብ ኦሎምፒክ ማርሴይ ብምስግጋር ዝዓበየ እንትኾን፤ ኣብቲ ውድድር ዓመት ሊግ 1 ብ19 ሸቶታት ሳልሳይ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኮይኑ ዛዚሙ።
ኣብ 2004 ብ24 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ክለብ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ብምፅንባር ኣህጉራዊ ኮትዲቫር ኮይኑ።
ኣብ ዝተፀንበረሉ ዓመት ስፖርት ቼልሲ ድሕሪ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዋንጫ ክዐውት ልዑል ግደ ዝገበረ እንትኾን፤ ኣብ ቀፃሊ ውድድር ዓመት ብተመሳሳሊ ሰማያዊ ፕሪሚየር ሊግ ፅዋዕ እንተልዕሉ ናይቲ ክለብ ቁልፊ ነይሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!