Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰናል መሪሕነታ ንምጥንኻር ሎሚ ምሸት ንብሬንትፎርድ ክተተኣናግድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 14 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል መሪሕነት እቲ ሊግ ንምጥንኻር ሎሚ ምሸት ንብሬንትፎርድ ኣብ ሜዳኣ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ማንቼስተር ሲቲ ትማሊ ምሸት ንፉልሃም 5 ን 4 ምስዓራ ስዒቡ ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ ክልተ ክተፅብብ ክኢላ ኢያ፡፡

ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዋ ኣፈላላይ ናብ ሓሙሽተ ክብ ንምባል ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡30 ኣብ ዝግበር ፀወታ ንብሬንትፎርድ ክትስዕር ኣለዋ፡፡

ክልቲአን ጋናታታት ኣብ ፕሪሚየር ሕድሕድ ኣብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ኣርሰናል ሰለስቲኦም እንትትስዕር፥ ኣብ ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ኣብ ካልኦት ናይ ሊሚ መዓልቲ ምሸት ፀወታታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ድሕሪ ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረት ናብ ዓወት ዝተመለሰተ ሊቨርፑል ምሸት ሰዓት 5፡15 ምስ ሰንደርላንድ ዝተግሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበር፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት 5፡15 ኣብቲ ሊግ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ሊድስ ዩናይትድ ትገጥም እንትኸውን፥ ብራይተን ምስ ኣስቶን ቪላ፣ በርንሌይ ምስ ክሪስታል ፓላስ ከምኡ እውን ወልቭስ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ምሸት ሰዓት 4፡30 ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.