Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰናል ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድን ካልኦትን ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብሪ ሎሚ ምሸት ትሽዓተ ፀወታታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮፓ ክካየዱ ኢዮም፡፡

ናይ መጀመርታ ፀወታታት እቲ ዕለት ምሸት ሰዓት 1፡45 ባርሴሎና ንግሪካዊታ ጋንታ ኦሎምፒያኮስ ኣብ ሜዳኣ እንትተተኣናግድ፥ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ካይራት ኣልማቲ ምስ ጋንታ ቆጵሮስ ፓፎስ ክፃወታ ኢየን፡፡

ምሸት ሰዓት 4 ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኤሚሬትስ ንስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ እተተኣናግደሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ቅድሚ ሕዚ ሕድሕድ ዝተራኸባ ኣብ 2017/18 ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ እንትኸውን፥ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ብሓፈሻዊ ውፅኢት 2 ን 1 ብምስዓር ንፍፃመ ምሕላፋ ይዝከር፡፡

ኣርሰናል ምስ ጋንታታ ስፔን ዝገበረቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ፀወታታት ክትስዕር ዝኸኣለት እንትትከውን፤ ናይ ሎሚ ፀወታ እውን ክትስዕር ኢያ ዝብል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፒዮን እቲ መድረኽ ፒኤስጂ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ባየር ሊቨርኩሰንን እንትትገጥም፥ ተነሓናሒት ፍፃመ ዝነበረት ኢንተር ሚላን ምስ ቤልጂየማዊት ጋንታ ኡኒየን ሴን ጂሎዝ ህትገጥም ኢያ፡፡

ቪያሪያል ምስ ማንቼስተር ሲቲ፣ ፒኤስቪ ኣይንድሆቨን ምስ ናፖሊ፣ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን ኮፐንሃገን ምስ ቦሩሺያ ዶርቱመንድ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት ሰዓት 4 ዝካየዱ ፀወታታት ኢዮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.