ኣርሰናል ንማንስፊልድ ታውን ብምስዓር ናብ ዝቕፅል ዙር ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ዙር ፀወታ ፅዋዕ ኤፍ ኤ እንግሊዝ ኣርሰናል ንማንስፊልድ ታውንን 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ዝቕፅል ዙር ሓሊፋ።
ቀትሪ ሰዓት 9:15 ካብ ሜዳኣ ወፃእ ብምጉዓዝ ኣብ ሊግ ሓደ እናተሳተፈት ንእትርከብ ማንስፊልድ ታውን ዝገጠመት ኣርሰናል ኖኒ ማዱዌኬን ኤበሪቼ ኤዜን ኣርሰናል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኣመዝጊቦም።
ኣብቲ ፀወታ ጥንኩር ንሕንሕ ዘርአት ተፃወትቲ ማንስፊልድ ታውን፤ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ብሕታዊ ሸቶ ዊል ኢቫንስ ኣመዝጊቡዋ።
ፀወታታት ፅዋዕ ኤፍ ኤ ዝቕፅሉ እንትኾኑ፤ ምሸት ሰዓት 5 ኒውካስል ዩናይትድን ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ስታዲየም ሴንት ጀምስ ፓርክ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ቅድሚ እዚ ድማ ቼልሲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ሬክሳም ምሸት ሰዓት 2፡45 ክትገጥም ኢያ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!