ኣርሰናል ንብራይተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 18 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ንብራይተን 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ኣርሰናል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ማርቲን ኦዴጋርድን ሩተር (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶን) ኣመዝጊቦምወን፡፡
ንብራይተን ካብ ስዕረት ዘየድሐነተ ብሕታዊት ሸቶ ዴጎ ጎሜዝ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኣብ ካሊእ ፀወታ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ንወልቭስ 2 ን 1 ስዒራ፡፡
ብሬንትፎርድ ንቦርንማውዝ 4 ን 1 ከምኡ እውን ፉልሃም ንዌስትሃም ዩናይትድ 1 ን 0 እንትስዕራ፤ በርንሌይ ምስ ኤቨርተን ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ፀወታ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 2፡30 ቼልሲ ምስ አስቶን ቪላ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!