ኣርሰናል ንኖርጋርድ ኣፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርሰናል ማእኸል ተፃዋታይ ተኸላኻሊን ኣምበልን ብሬንትፎርድ ንዝኾነ ክርስቲያን ኖርጋርድ ምፍራሙ ብወግዒ ገሊፁ።
ወዲ 31 ዓመት ዴንማርካዊ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኖርጋርድ፥ ብ10 ሚሊየን ፓውንድን ብቐፃሊ እናተገምገመ ዝውሰኽ 5 ሚሊየን ፓውንድን ኢዩ ካብ ብሬንትፎርድ ናብ ኣርሰናል ተዘዋዊሩ።
ኣብ ኣርሰናል ንክልተ ዓመት ዘፅንሕን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ምውሳኽ ዘኽእልን ኣማራፂ ዘለዎ ኮንትራት ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!