ኣርሰናል ውዕል ጋብሬል ማግሃሌስን ኣናዊሓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣርሰናል ንተኸላኻሊ ቦታ ተፃዋቲ ጋብሬል ማግሃሌስን ውዕሉ ክሳብ 2029 ዓ.ም.ፈ ከምዘናውሐት ዕላዊ ገይራ።
ብራዚላዊ ንተኸላኻሊ ቦታ ተፃዋቲ ጋብሬል ማግሃሌስን ቅድሚ 5 ዓመት ካብ ሊል ናብ ኣርሰናል ምፅንባሩ ይዝከር።
ማግሃሌስ ናብ ክለብ ካብ ዝፀንበር ግዘ ኣትሒዙ ንኣርሰናል 210 ፀወታታት ብምክያድ 20 ሽቶታት ምቑፃር ክኢሉ፡፡
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana