Fana: At a Speed of Life!

ኣርባ ምንጭ ከተማን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 31 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣርባ ምንጭ ከተማን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን፡፡

ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ናትናኤል ሰለሞን ከምኡ እውን ንኣርባ ምንጭ ከተማ ታምራት እያሱ እተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።

ኣርባ ምንጭ ከተማ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ስዕረት ማዕረ እንትትፈላለ፤ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ተከታታሊ ካልኣይ ማእረ ውፅኢት ኣመዝጊባ፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣርባ ምንጭ ከተማ ብ36 ነጥቢ ኣብ መበል 12 ደረጃ እንትትቅመጥ ካብቲ ሊግ ምውራዳ ዘረጋገፀት ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብ15 ነጥቢ ኣብ መበል 18 ደረጃ ትርከብ፡፡

ፀወታ እቲ ሊግ ምሸትሰዓት 12 ኢትዮጵያ ቡና ምስ ኢትዮጵያ መድን ክራኸባ ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.