Fana: At a Speed of Life!

ኣርክቴክት ዘበናዊት ቱርኪዬ እናተብሃሉ ዝፍለጡ ኤርዶሃን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኢስታንቡል ከንቲባነት ክሳብ መሪሕነት ሃገር ዝተጓዓዙን ኣርክቴክት ዘበናዊት ቱርኪዬ እናተብሃሉ ዝፍለጡ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1954 ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝተወለዱ ኤርዶሃን ናብ ፖለቲካ ዓለም ዝተፀምበሩ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1994 ከንቲባ ከተማ ኢስታንቡል ብምዃን ነይሩ።
ኣብታ ከተማ ከንቲባ ኣብ ዝነበሩሊ እዋን ኣብ ቀረብ ማይ፣ ትራንስፖርትን ካልኦት ፀገማትን ብምፍታሕን ለውጢ ከምፅኡ ብምኽኣሎም ምኽንያት ኣብ መላእ ሃገር ተፈታዊ ክኾኑ ክኢሎም።
ቀፂሎም ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2001 ምስ ካልኦት ፖለቲከኛታት ብምዃን ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ምርግጋእ ፖለቲካን ዴሞክራሲያዊ ጉዳያትን ለውጢ ንምምፃእ ዕላማ ዝገበረ ውድብ ፍትሒን ልምዓትን (ኤኬፒ) ክምስርቱ ክኢሎም፡፡
ውድቦም ኣብ 2002 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረፃ ቱርክዬ ምዕዋቱ ስዒቡ፥ ኣብ 2003 መበል 25 ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ብምዃን ተሾይሞም፡፡
ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስትርነት ቱርኪዬ ምስ ተረከቡ ንኢኮኖሚን ህንፀት ትካላትን ቅድሚት ብመሃብ ስረሖም ዝጀመሩ እንትኾኑ፥ በዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚን ህንፀት ዘበናዊ መሰረተ ልምዓትን ልዑል ዕቤት ንኽምዝገብ ገይሮም ኢዮም።
በዚ ድማ ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ቀንዲ መግለፂታት ምምሕዳሮም ኮይኖም ምውፃእ ከምዝጀመሩ ይንግር፡፡
ንዓውዲ ትራንስፖርት ልዑል በጀት ብምስላዕ ዓበይቲ ድልድላት ሃኒፆም፤ ቅልጡፋት መስመራት ባቡር ኣስፋሕፊሖም፤ ከምኡ እውን መዕርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ማእኸላት ኣቪዬሽን ሓደ ክኸውን ገይሮም።
ንዘፈራት ኢንዱስትሪን ምክልኻልን ስትራቴጂያዊ ትኹረት ብመሃብ ማእኸላት ቴክኖሎጂ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ሓዊሱ ዘፈር ኢንዱስትሪ ብልዑል ብርኪ ንኸዓቢ ቁልፊ ግደ መሪሕነት ተፃዊቱ።
ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ቱርኪዬ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመረፁ ፈላማይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ክኾኑ ዝኸኣሉ እንትኾኑ፥ ኣብ 2017 እታ ሃገር ካብ ፓርላማ ናብ ፕሬዚዳንታዊ ስርዓት ዘሰጋግር መመሓየሺ ሕገ መንግስቲ ምፅዳቓ ዝዝከር ኢዩ።
ኣብ ፕሬዚዳንትነት ዘበኖም እውን ቱርኪዬ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ዘለዋ ተሰማዕነት ብዝለዓለ ደረጃ ንኽውስኽ ገይሮም ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.