ኣሰልጣኒ ሃንሲ ፍሊክ ኣብ ባርሴሎና ንምፅናሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ባርሴሎና ሃንሲ ፍሊክ ንተወሰኽቲ ክልተ ዓመታት ዘፅነሖም ውዕሊ ንምፍራም ምስታ ጋንታ ተስማዕሚዖም፡፡
ድሕሪ ናይ ትማሊ ምሸት ዓወት ኤል ክላሲኮ ንዩዋን ላፖርታ ሓዊሱ ኣመራርሓ እታ ጋንታ ምስ ኣሰልጣኒ ሃንሲ ፍሊክን ወኪሎምን ከምዝተዛተዩ ባርካ ዩኒቨርሳል ፍልፍላት ብምፅራሕ ፀብፂቡ፡፡
ድሕሪ እቲ ዘተ ድማ ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ሃንሲ ፍሊክ ከም ኣቀፖፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2027 ኣብ ጋንታ ካታሎን ዘፅነሖም ውዕሊ ንምፍራም ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ፡፡
ኣሰልጣኒ ሃንሲ ፍሊክ ንባርሴሎና ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እንተብፅሑ፤ ኣብ ላሊጋ ድማ ብሸውዓት ነጥቢ ኣፈላላይ ክትመርሕ ገይሮምዋ ይርከቡ፡፡