Fana: At a Speed of Life!

ኣሰልጣኒ ኣይኾነልክን ዝበላ ማንቼስተር ዩናይትድ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ 13 ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግን ክልተ ፅዋዓት ሻምፒየንስ ሊግን ሓዊሱ ንኦልድትራፎርድ ብፅዋዕ ዘዕለቕለቑ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ብኽብሪ ምሰፋነወት ኣሰልጣኒ ክወፅአላ ኣይከኣለን፡፡

ኣብ ዩናይትድ 26 ዕዉታት ዓመታትን ዘሕለፉ ስኮትላንዳዊ ሰብ ምስልጣን የኣኽለኒ ብምባል ብኽብሪ ድሕሪ ምስንባቶም እታ ጋንታ ዝነገሰትሉ እቲ ሊግ፤ ፅዋዕ ካብ ትስእን ከምብዋዛ 12 ዓመታት ተቖፂሮም፡፡

ፈርጉሰን ኣብ ዓመተ ውድድር 2012/13 ፅዋዕ እቲ ሊግ ምስዓተሩ ንባዕሎም ካብ ምስልጣን ድሕሪ ምግላሎም ሽዱሽተ ቀወምቲ ኣሰልጠንቲ ይፈራረቑ እምበር እታ ጋንታ ዝነበራ ፀብለልታ ከቐፅል ዝኽእል ኣሰልጣኒ ኣይተረኸበን፡፡

ልዕልነት ዩናይትድ ከምዘቐፅሉ እምነት ተነቢሩሎም ናብ ካሪንግተን ዝበፅሑ ፈላማይ ሰብ ስኮትላንዳዊ ዴቪድ ሞይስ ነይሮም፡፡

ዴቪድ ሞይስ ንጋንታ መርሲሳይድ ኤቨርተን ተሰናቢቶም ንፈርጉሰን ብምትካእ ኣብ ኦልድትራፎርድ እንትበፅሑ ደገፍቲ ዩናይትድ ‘ተመራፂ ሰብ’ ብምባል ኢዮም ተቐቢሎምዎም ነይሮም።

ኮይኑ ግን ዓወት ዝለመደት ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ሓላፍነቶም እንትተሰናብቶም ሓደ ሙሉእ ዓመተ ውድድር እውን ክትዕገሶም ኣይከኣትን።

ስንብት ሞይስ ስዒቡ ደቻዊ ሊውስ ቫን ሃል ብኣሰልጣጣናይነት ክሳብ ዝሽወሙ ነታ ጋንታ ብግዚያዊነት ነበር ተፃዋታይ ሪያን ጊግስ ክሳብ መወዳእታ እቲ ውድድር ክመርሕ ክኢሉ ነይሩ።

ቫን ሃል እውን ንዩናይትድ ናብ ዓወት ከምዝምልሱ ተስፋ ተነቢሩሎም ነይሩ ኢዩ።

ነገር ግን ትፅቢት ከምዝተገበረሎም ዘይኮነስ ኣብ ፈላማይ ዓመት ናይ ኦልድትራፎርድ ፃሒቶም ከምልጡ ኣይከኣሉን።

እታ ጋንታ ቀፂላ ድማ ንጆዜ ሞሪኒሆ ሓርያ ነይራ።

ንስፔናዊት ሓያል ጋንታ ሪያል ማድሪድን ኢንተር ሚላንን ዕዉት እዋን ኣሰልጣናይነት ምሕላፎም ንባዕሎም ፍሉይ ሰብ እየ እናቡ ዝፅውዑ ሞሪንሆ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሰምረሎም ኢዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ኦልድትራፎርድ ነገራት ከምዝሓሰቡዎ ዘይኮነሎም ሞሪኒሆ ካብ ዴቪድ ሞይስን ቫን ሃል ዝሐሸ ግዘ ከሕልፉ ይኽኣሉ እምበር ድሕሪ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዕጫ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣሰልጠንቲ በፂሑዎም ተሰናቢቶም።

ጆዜ ሞሪኒሆ ንዩናይትድ ፅዋዓት ዩሮፓ ሊግ፣ ካራባኦን ኮሙኒቲ ሺልድን ሻምፒዮን ምግባሮምን አብ ፕሪሚየር ሊግ 2ይ ደረጃ ሒዛ ንኽትዛዝም ምግባሮም ኣብ ኦልድትራፎርድ ንኽፀንሑ ኣይሓገዞምን።

ድሕሪ ስንብት ሞሪንሆ ብጊዜያዊነት ዝተመደቡን ድሒሮም ብቐዋምነት ዝተሾሙን ነበር ተፃዋቲ እታ ጋንታ ኦሌጉናር ሶልሻየር ሰለስተ ዓመት ዝኸውን ነታ ጋንታ ክመርሑ ክኢሎም ነይሮም።

ነገር ግን ንሶልሻየር እውን ኣሰናቢታቶም፤ ድሕሪኡ ድማ ንማይክል ካሪክ ጊዝያዊ ሓላፊነት ብመሃብ ናብ ካሊእ ኣለሻ ተዋፊራ፡፡

ኣብቲ እዋን ንራልፍ ራኚክ እውን ብግዚያዊነት ምሻማ ይዝከር።

ስዒቦም ናብ ኦልድትራፎርድ ዝመፅኡ ካሊእ ኔዘርላንዳዊ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ፤ ‘ዘበን ሊቨርፑልን ማንቼስተር ሲቲን ኣብ ቀረባ እዋን ከብቅዕ ኢዩ’ ብምባል ኢዮም ንባዕሎም ዘፋለጡ።

ነገር ግን ኣብ ኣሰልጣናይነት ፃንሒቶም ከምቃሎም ልዕልነት ማንቼስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ኣብ ክንዲ ምግታእ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ሕማቕ ዝበሃሉ ክብረወሰናት ብምፅሓፍ ድኹም እዋን ኣሕሊፎም ኢዮም።

ድሕሪኡ ድማ ንምኽትሎም ሩድ ቫኒስትሮይ ጊዚያዊ ሓላፊነት ሂቦም እንትሰናበቱ፤ እታ ጋንታ ንሩበን ኣሞሪም ናብ ኦልድትራፎርድ ከምዘምፀአት ይዝከር።

ብፍላይ ስልቲ ኣፀዋውታይ ኣይቅይርን ብዝብል ቅዋሞም ደረቕ ኢዮም እናታብሃሉ ዝሕመዩ ሩበን ኣሞሪም ድሕሪ 14 ኣዋርሕ ካብ ካሪንግተን ተሰናቢቶም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጊዚያዊ አሰልጠንቲ ሓዊሱ 10 ዝኾኑ ኣሰልጠንቲ ዝመርሑዋ ማንቼስተር ዩናይትድ፤ ኣብ ቀፃሊኸ መን ናብ ዝነበረ ዝናኣ ክምልሳ ይኸውን ዝብል ግዘ ክምልሶ ኢዩ።

ብሃይለማሪያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.