ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዘተኣማምን መረዳእታ ለውጢ ክሊማ ንምፍልፋል ጠንካራ ስርዓት ክዝርጋሕ ይግባእ- ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣባል ሃገራት ዘተኣማምን መረዳታ ለውጢ ክሊማ ንምፍልፋል ዘኽእል ስርዓት ክዝርግሑ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም፡፡
ማእከል ትንበያን ትግበራን ፀባይ ኣየር ኢጋድ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር መበል 70 ምልከታ መድረኽ ክሊማ ቀርኒ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ሃብታሙ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ አዋን ከምዝበልዎ ÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ ድርቅን ውሕጅን ንብዙሓት ይፍትን ኣሎ።
ሕርሻ፣ ልኡላውነት ምግቢ፣ ሃፍቲ ማይ፣ ቱሪዝምን ጥዕናን ብለውጢ ክሊማ ፅዕንቶ ካብ ዝበፅሖም ዓውዲታት ብቐንዲ ተፀራሕቲ ምዃኖም ኣልዒሎም፡፡
ምክትል ዋና ፅሓፊ ኢጋድ ኣይተ መሓመድ ኣብዲ ዋሬ ብግዲኦም÷ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ለውጢ ክሊማ ብዝተፈላለየ ሓደጋታትን ማሕበራውን ዕብየት ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡