Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ብምግምጋም ተግባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ስምዕነት ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ብምግምጋም ተግባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ስምዕነት ከምዝተበፅሐ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር ጄነራል እቲ ኣገልግሎት ታዜር ገ/እግዚአብሄር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ “ብምትሕብባር ሓበሬታ ድሕንነት እቲ ዞባ ምጥንኻ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ጉባኤ ትካላት ድሕንነት ምብራቕ ኣፍሪካ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ፀገም ፀፅታ ሓንቲ ሃገር ሓገዝ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ትኹረት እቲ ጉባኤ ካብ ዝነበሩ ነጥቢታት ሓደ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡፡

በዚ መዳይ ፀገማት ፀፅታ ንምክልኻል ብሓባር ናይ ምስራሕ ኩነታት ወሳኒ ከምዝኾነ በተን ሃገራት ኣብ ስምምነት ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሞንጎ ትካላት ድሕንነት እተን ሃገራት፤ ስግኣታት ድሕንነት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል ልውውጥ ሓበሬታ ንኽህሉ ኣብ ምርድዳእ ንምብፃሕ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣፍሪካ፣ እስያን ኣውሮፓ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 30 ሃገራት ከምዝሳተፋ እውን ኣብ መግለፂአን ፀሪሐን፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ግድብ ህዳሴ ዑደት ከምዝገበሩን እዚ ድማ ኣፍሪካውያን እንተሓቢሮም ከምዝ ዝበለ ዓብዪ ፕሮጀክት ክፍፅሙ ከምዝኽእሉ ንምርኣይን ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝንዝሑ ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ንምፅራይ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.