ኣብታ ከተማ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀረብ ነዳዲ ተተሓሒዙ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ም/ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ደስታው መኳንንት (ዶ/ር)፣ ሓላፊት ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃቢባ ሲራጅን ወነንቲ መዕደሊ ነዳዲን ተረኺቦም።
ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ዝረኣዩ ፀገማት ፈሊኻ ንምፍላጥ መፍትሒ ንመሃብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥር ኣልዒሎም።
መሰረት ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝገበረ ቀረብ ነዳዲ ከምዘሎ ብምሕባር÷ ሃፍቲ ሃገር ዝኾነ ነዳዲ ብግቡእ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡
እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝቕመጡ ኣንፈታት ርብርብ ምግባር የድሊ ዝበሉ እቶም ም/ከንቲባ÷ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም፡፡
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!