Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተመስረተ ያታ ሰላም ምፅናዕ ወሳኒ እዩ – ምሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተመስረተ ያታ ሰላም ምፅናዕ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ወሳኒ እዩ ኢሎም ምሁራት፡፡
እቶም ምሁራት ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፣ ከፋፋሊ ያታ ብምግዳፍ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ትኹረት ምግባር ሃገራዊ ሰላም ንምዕቃብ ዓብዪ እጃም ኣለዎ።
ያታ ንሰላምን ሓድነትን ዘሐይል ምዃኑ ዝገለፁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደዎላቡ መምህር ታሪኽን ቅርስታትን ተመራማሪን ፀጋይ ሞሮዳ፤ ብወገኖም ከፋፋሊ ያታታት ብምግዳፍ ሓድነት ኣብ ዘሐይሉ ሓባራዊ ጉዳያት ትኹረት ክንገብር ይግባእ ኢሎም።
ህዝቢ ናይ ሓባር ረብሓታቱ ንምሕላው ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብምግላፅ፤ ነዚ ሃገራዊ ዕላማ ኩሉ ክተሓባበር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
ብነፃነት ሰለሞን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.