Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ህንዲ ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሜን ህንዲ ግዝኣት ኡታራክሃንድ ሎሚ መዓልቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ፡፡

እቲ ሓደጋ እታ ሄሊኮፕተር ምብራር ምስ ጀመረት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ሂንዱ ንምስታፍ ጉፕካሽ ተባሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ከባቢ እናምርሑ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

ንብረትነታ ናይ ኣርያን ኣቪዬሽን ዝኾነት ሄሊኮፕተር ብምኽንያት ሕማቕ ንብረት ኣየር ከምዝተሓምሸሸት ተገሊፁ፡፡

ሎሚ ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ሓደጋ 242 መገደኛታት ኣሳፊራ ካብ ህንዲ ኣሕመዳባድ ናብ ለንደን እናበረረት ዝነበረት ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ ህይወት 270 ድሕሪ ምሕላፉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዘጋጠመ ካሊእ ሓደጋ ኢዩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.