ኣብ ህንዲ ብሓደጋ ኣውሮፕላን ህይወት ሓደ ሰብ እንትተርፍ 204 ሰባት ምሟቶም ተረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ህንዲ ኣብ ጥቃ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን 204 ሰባት ምሟቶም እንትረጋገፅ ህይወት ሓደ ሰብ ምትራፉ ተሰሚዑ።
ሎሚ ንግሆ ቦይንግ 787-8 ዝብል ስያሜ ዘለዋ እታ ኣውሮፕላን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ካብ መሬት ምስተለዓለት ብዙሕ ከይፀንሐት ከምዝተሓምሸሸት ምፅብፃብና ይዝከር፡፡
ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ፤ እታ ኣውሮፕላን ምስተለዓለት ድሕሪ 30 ሴኮንድ እያ ዝተሓምሸሸት፡፡
በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ 204 ሰባት ኣስክሬን ምርካቡ ሓደ እንግሊዛዊ ዜግነት ዘለዎ ውልቀ ሰብ ብህይወት ምትራፉ ተገሊፁ፡፡
በቲ ሓደጋ ነበር ሚኒስትር ግዝኣት ጉጃራት ህንዲ ቪጃይ ሩፓኒ ምሟቶም እንትረጋገፅ÷ እታ ኣውሮፕላን ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ ከባቢ ዝነበሩ 50 ተማሃሮ ሜዲካል ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ሆስፒታል ምውሳዶም ተሓቢሩ፡፡
እቲ ሓደጋ ስዒቡ በረራታት ደው ዘበሉ እንትኾን÷ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓዘን ከምዝተሰምዖም ይገልፁ ኣለው።
ኣብታ ኣውሮፕላን ውሽጢ 169 ህንዳውያን፣ 53 ብሪታንያውያን፣ 7 ፖርቱጋላውያን፣ ሓደ ካናዳዊን ካልኦት ዜጋታትን ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።
ብሚኪያስ ኣየለ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!