ኣብ ህንዲ ብዝተሓምሸሸት ሓደጋ ኣውሮፕላን ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 270 በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ህንዲ ብዝተሓምሸሸት ሓደጋ ኣውሮፕላን ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 270 በፂሑ፡፡
እታ ኣውሮፕላን ካብ ትሕምሸሽ ሳልሳይ መዓልታ ዘቑፀረት በቲ ሓደጋ 270 ሰባት ህይወት ከምዝቀጠፈን ሓደ ተሳፋሪ ብህይወት ምትራፉ ይዝኸር፡፡
ካብቶም ሞንጎ ዝሞቱ እቶም 29 ኣብቲ ሓደጋ ቦታ ዝነበሩ ምዃኖም ገልፍ ቱደይ ፀብፂቡ፡፡
ኣብ ኣህመዳባድ ዝርከብ ሆስፒታል ዶ/ር ዳቫል ጋሜቲ ንዘ ኣሶሴይትድ ፕሬስ ከምዝበሎ እቲ ትካል 270 ኣስክሬናት ረኺቡ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FFBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!