ኣብ ህንፀት ቦታ መወፃፅኢ ዝበፅሐ ሓደጋ ምድርማስ መንግስቲ ሓዘኑ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ምምሕዳር ከተማ ኣረርቲ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣረርቲ ማርያም ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ቦታ ህንፀት ህይወት ብዙሓት ሰባት ሓሊፉ።
ግልጋሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑን ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ዝበፅሖም ብዙሓት ሰባት ምህላዎም ብምሕባር ሓዘኑ ገሊፁ፡
እቲ ግልጋሎት ኣብዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፣ ንስድራቤት ግዳያት ፅንዓት ይሃብኩም ብምባል ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ድማ ብቕልጡፍ ክሓውዩ ተመንዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!