Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሆንግ ኮንግ 128 ሰባት ንሕልፈት ዘቃለዐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ህንፃታት ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ቁፅሪ መወትቲ 128 በፂሑ ኢሎም ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንሕልፈት ካብ ዝተቓልዑ ብተወሳኺ ልዕሊ 200 ሰባት ክሳብ ሕዚ ዘለዉዎ ኣይፍለጥን፡፡

ልዕሊ 4 ሺሕን 600 ሰባት ኣብ ዝነብሩሎም ህንፃታት ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ዘጋጠመ እቲ ሓደጋባርዕ ሓዊ፤ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓልል ከምዝተኽኣለ ሓላፊ ድሕንነት ሆንግ ኮንግ ክሪስ ታንግ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር ልዕን ሺሕ ሰራሕተኛታት ሓዳጋ ባርዕ ሓዊ ዝተሳተፉ እንትኾኑ÷ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣብ ግዚያዊ መዕቖቢ ንዝርከቡ ሰባት ሓገዝ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም፡፡

መበገሲ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ፖሊስ ብዕሊ ምርመራ ከምዝጀመረን ሓበሬታታት እናተኣኻኸበ ከምዝርከብን እውን ሓቢሮም፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.