Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልምዓት ወሰን ሩባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልምዓት ወሰን ሩባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ገብሪ ኣፍልጦ ተዋሂቡ፡፡

እቲ ኣፍልጦ ኣብ ልምዓት ኮሪደር 4 ኪሎ እንጦጦ፣ ማእኸል እፅዋት ጉለሌን ስራሕቲ ልምዓት ወሰን ሩባ እንጦጦ – ወዳጅነት ኣደባባይ – ፒኮክ ፓርክን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኢዩ ተዋሂቡ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ራኢ ተኻሎም ድሙቕ ታሪኽ ንዝፀሓፉ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ሰራሕተኛታት ብዝናብን ቁሪን እንተይተበድሁ ደኺሙኒ ሰልክዩኒ እንተይበሉ መፃኢ ትውልዲን መላእ ፈታዊ ሃገር ኢትዮጵያዊን ዝኾርዐሉ ዘደንቕ ስራሕ ብምስረሖም ታሪኽ ክዝክሮም ኢዩ ኢለን።

እቲ ስራሕ ብደቂ ኢትዮጵያ ዲዛይነርነት፣ ኣርክቴክትነት፣ መሪሕነትን ኣተሓባባራይነትን ኣብ ዝተሓሰበሉ እዋን ከምዝተወገነ ኣመልኪተን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.