ኣብ ልዕሊ ማእኸላት ኒውክሌር ኢራን ልዑል ዕንወት ኣብፂሐ – ኣሜሪካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ማእኸላት ኒውክሌር ኢራን ልዑል ዕንወት ኣብፂሐ ኢሉ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ፡፡
ጦር ኣውሮፕላናት ኣሜሪካ ኣሜሪካ ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ማእኸላት ኒውክሌር ሎሚ ወጋሕቲ መጥቃዕቲ ምፍፃመን ይፍለጥ፡፡
ኣሜሪካ ኣብ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ምስታፋ ስዒቡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ልዑል ወጥሪ ኣንፀላሊዩ ይርከብ፡፡
ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ፒተር ሄግሴዝ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላት መብላዕልዒ ኒውክሌር ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣድላዪ ምድላው እናገበረት ፀኒሓ፡፡
ሎሚ ወጋሕታ ቦምቢ ዝድርብያ ኣውሮፕላናት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ማእኸላት ኒውክሌር ኢራን ዝፈፀመኦ ዘደንግፅ መጥቃዕቲ እውን ዕዉት ነይሩ ኢሎም፡፡
በቲ መጥቃዕቲ ሰለስቲኦም ጣቢያታት መፍረዪ ኒውክሌር ኢራን ከቢድ ጉድኣት ከምዘተኣናገዱ ብምሕባር፥ በዚ ድማ ናይቶም ማእኸላት መርሃ ግብሪ ኒውክሌር ምዕናው ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀማ ቢ-2 ዝተብሃላ ቦምቢ ዝድርብያ ኣውሮፕላናት ነዚ ዘበን ዝምጥን ወታደራዊ ቴክኒክ ከምዝተጠቐማ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ብኣንፃሩ ብጦር ኢራን ኢራን ዝኾነ ይኹን ዓፀፋዊ ስጉምቲ ከምዘየጋጠመን ኣልዒሎም፡፡
ኣሜሪካ ኣብ ኢራን ስርዓተ መንግስቲ ናይ ምልዋጥ ዕላማ ከምዘይብላ ብምግላፅ÷ ይኹን እምበር ኢራን ጦር መሳርሒ ኒውክሌር ክትዕጠቅ ኣይንፈቅድን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ፕሬዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያን ብግደኦም÷ ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላት ኒውክሌር ኢራን ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሓደገኛን መምርሒ ዲፕሎማሲ ዝጠሓሰን ኢዩ ክብሉ ኮኒኖም፡፡
ሃገሮም ብኣሜሪካ ንዝበፅሓ መጥቃዕቲ ኣድላዪ ግብረ መልሲ ንምውሳድ ኣብ ተዳሎ ከምትርከብ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኢራን ኩሎም ኣማራፂታት ተጠቒማ ሉኣላዊነታ ንምክልኻል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብቖራፅነት ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም እቶም ፕሬዚዳንት፡፡
ብኻሊእ መዳይ ጦር እስራኤል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተመረፁ ወታደራዊ ናቑጣታት ኢራን ብ30 ተዋጋእቲ ጄታት ዕዉት መጥቃዕቲ ፈፂመ ምባሉ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብተመሳሳሊ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ሚሳኤል ዝፈፀመት እንትትከውን÷ ፓርላማ እታ ሃገር ድማ ድፍድፍ ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ ወሽመጥ ባሕሪ ንምዕፃው ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ከምዘፅደቐ ተሓቢሩ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!