Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኣለልኝ ኣዘነ ገበን ቅትለት ብምፍፃም ጥፍኣተኛታት ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ብፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልዕሊ ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ባህር ዳር ከተማን ኣለልኝ ኣዘነ ቅትለት ብምፍፃም ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ ክልተ ውልቀሰባት ብ16ን 15ን ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ፡፡

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ጋሞ 1ይቲ ተኸሳሲት በዓልቲ ገዛ ኣለልኝ ኣዘነ ወ/ሮ ኣደይ ጌታቸው ከምኡ እውን 2ይ ተኸሳሲ ሰብኣይ ሓፍታ ንወ/ሮ ኣደይ ጌታቸው ዝኾነ ሉንጎ ሉቃስን 17 መጋቢት 2016 ዓ.ም ለይቲ ካብ 5፡30 ክሳብ 8 ሰዓት ከባቢ ኣብ ዘሎ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ቀበሌ ነጭ ሳር ልምዓት ሰፈር ብዝተቐነባበረ ኩነታት ንወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ኣለልኝ ኣዘነን ብምቕታል ርእሱ ዘጥፈአ ንኽመስል ብምግባር ገበን ቀትለት ከምዝፈፀሙ ብመርትዖ ሰብን ሰነድን ብምርግጋፁ ውሳነ ጥፍኣተኛታት ምሕላፉ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ነበር ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ኣለልኝ ኣዘነ ቅትለት ብምፍፃም ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ 1ይቲ ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣደይ ጌታቸው (በዓልቲ ገዛ ኣለልኝ ኣዘነ) 16 ዓመት ከምኡ እውን 2ይ ተኸሳሲ ሉንጎ ሉቃስ (ሰብኣይ ሓፍታ ንወ/ሮ ኣደይ ጌታቸው) 15 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ውሳነ ቅፅዓት ኣመሓላሊፉ።

ብሲፈን መኮንን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.