ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ኣብ ዓለም ልዑል ውፅኢት ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ኣብ ዓለም ልዑል ውፅኢት ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ጅማ ሓምለዋይ ኣሰሮም ብምንባር ናይ ሎሚ ዘበን ናይ ሓደ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 8 ቢሊየን ፈልሲታት ዝትከሉ አንትኾኑ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ናይ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ቁፅሮም 48 ቢሊየን ምብፃሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ይካየድ ኣሎ።