ኣብ ሓዱሽ ዓመት ክሳብ ሕዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዘይተሳተፉ ኣካላት ክሳተፉ ክስራሕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2018 ዓ.ም ክሳብ ሕዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዘይተሳተፉ ኣካላት ክሳተፉ ንምግባር ክስራሕ ኢዩ ኢሉ።
ኣቀባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝተዛዘመ 2017 ዝተወገኑ ተግባራትን ኣብ 2018 ዓ.ም ዝስርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ዝተዛዘመ ዓመት ዕዉታት ተግባራት ተወጊኖም።
ብዘይካ ክልል ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣጀንዳ ከምዝተኣከበ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝሳተፋ ተወከልቲ ምምራፅ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
ምንቅስቓስ እቲ ኮሚሽን ግልፂን ተበፃነ ምግባር፣ ኣብ ጉዳይ ምኽክር ግንዛበ ክፍጠርን ምሕዝነታት ንኽጠናኸሩ ተሰሪሑ ኢሎም።
ካብ እዋን ናብ እዋን ኣድላይነት ዘተን ዘይሻራውነትን ናፅነትን እቲ ኮሚሽን ዝሐሸ ኣረዳድኣ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።
ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ክትሳተፍ ንምግባር ከምዝስራሕ፣ ኣብ ከይዲ ምኽክር ዘይተሳተፉን እናተሳተፋ ብምፅናሕ ዘቋረፁ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምኡ እውን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘለዉ ሓይሊታት ናብቲ ዘተ ንኽመፅኡ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!