ኣብ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ ሎሚ ተዛዚሙ።
ካብ 18 ሰነ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ እቲ ውድድር 14 ክለባት ዝተሳተፋሉ ኢዩ።
ኣብቲ ፍፃመ 120 ኪሎ ሜትሮ ብዝሸፈነ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ተወዳዳሪ ትራንስ ኢትዮጵያ ተኽላይ ፀጋይ ተዓዊቱ።
ቡዙኣየሁ ተስፉ ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ካልኣይ፣ ገ/መድህን ገ/እግዚአብሔር ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ መበል ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
60 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ድማ ፅጌ ካሕሳይ ተዓዊታ።
እቲ ውድድር ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ብሽክለታ ዝሳተፉ ብሽክለተኛታት ንምሕራይ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ተዓወትትቲ ብሽክለተኛታት ሽልማቶም ካብ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ ተረኪቦም።
ብወርቅነህ ጋሻሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!