Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበል 6ይ ክፍለ ዘበን ዝተሃነፀ ገዳም ኣቡነ ይምኣታ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዳም ኣቡነ ይምኣታ ካብ ከተማ ሓውዜን ንኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ቅርቅርቲ ጎቦታት ገርዓልታ ዝርከብ ኢዩ።

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ልዕሊ 34 ውቁራት ገዳማት ኣለዉ።

ካብኣቶም ሓደ  ዝኾነ ገዳም ኣቡነ ይምኣታ፥ ውሕሉል ጥበብ ቀዳሞት ወለዲ ዝዓረፎን ብሜትሮታት ዝተረሓሓቑ ግን ድማ ዓርሶም ኪኢሎም ጠጠው ዝበሉ 24 ዓምድታት ዘለዉዎን ጥንታዊ ገዳም ከምዝኾነ ይግለፅ።

ኣብቲ ውቁርን ጥንታዊን ገዳም፥ መፃሕፍቲ ብራና፣ መሳቕል ብሩርን ነሓስን፣ ፅንሃ፣ ኣትራኖስ፣ ብርክት ዝበሉ ንዋየ ቅዱሳንን መንፈሳዊ ኣሳእልን ኣለውዎ።

ህያው መግለፂ ጥበብ ቀዳሞት ወለዲን መንነት ተጋሩን ዝኾነ ጥንታዊ ውቁር ገዳም ኣቡነ የማኣታን ኣብ ዙርያ ጎቦታት ገርዓልታ ዝርከቡ ጥንታውያን ሓድግታትን ብግዚያውነት ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቦ ምንባሮም ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ መንበሩ ገ/መድህን ገሊፆም።

ኣይተ መንበሩ፥ እቲ ገዳም ብቀዋምነት ቅርሲ ኮይኑ ንክምዝገብ ፃዕሪ ክግበርን ኣብቲ ውሽጢ ገዳም ዝርከቡ መንፈሳዊ ኣሳእል ናይ ቀለም ምህሳስን ምቕራፍን ሓደጋ የጋጥሞም ብምህላዉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፍትሒ ንከቐምጠሉን ኣተሓሓሳሲቦም።

እዚ ገዳም ኣብ መበል 6ይ ክፍለ ዘበን ዝተሃነፀን ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ድማ 28 ጥቅምቲ ዝኽበርን ምዃኑ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.