Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኩሉ ሰዓሪ ይኸውን ማለት አንታይ ማለት ኢዩ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ንሃገሮም ዝኸውን ሓሳብ ንከቕርቡ ድልድል ዝፈጥር ዲሞክራሲያዊ ከይዲ ኢዩ።

ኣብ ክሊ ዘተ ዝተዳለዉ ፍሉያት መዛግብቲ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሰዓርቲ ከምዝኾኑ እንትትንትኑ ናይቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ መግለፂታት ኣብ ግምት ብምእታው ከመዝኾነ ልቢ ክበሃል ይግባእ።

እቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሓሳብን ፖለቲካን፣ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ መነግስቲ፣ ሲቪክ ማሕበራት ወዘተ ኣብ ኣፈላላዮም ብምዝርራብ ሓበራዊ ረብሓ ከርክብሎም ዝኽእሉ ሓበራዊ መፍትሒ ሓሳባት ንምርካብ ፃዕሪ ይገብሩ።

እቲ ከይዲ ኩሉ ሰዓሪ ዝገብር ከመይ ከምዝኾነ ንምርኣይ፥

  1. ንኹሉ ሓቛፊ ዝኾነ ተሳትፎ ንክህሉ ምኽኣሉ፤
  2. ሰላማዊ ብልሓት ኣፈታትሓ ኣፈላላይን ጎነፅን ምዃኑ፤
  3. ኣብ ምትእምማን ዝተደረኸ ዘላቒ ሰላም ምንጋሱ፤

እዚ ማለት ሓደ ነቲ ካሊእ ካብ ምፍራጅ ወይ ምኹናን ወፂኡ ብምትእምማን ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ሰላም ዘብዒ ንክኸወን ዘኽእል ኢዩ። ነዚ ስዒቡ እቲ ከይዲ ኩሉ ናይ ሰዓራይነት መንፈስ ንክውንን ዘኽእል መገዲ ዘመዓራሪ ኢዩ።

 

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.