Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 700 ዜጋታት ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ውሽጢ ዝነበሩ 700 ሰባት ክሳብ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኢሉ፡፡

ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ሎሚ ሰሙናዊ መግለፂ ከምዝበልዎ÷ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 700 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ተገይሩ፡፡

ሕዚ እውን ኣብ ማይናማር ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ፤ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝርከብ ብወገን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ወክልና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣለና ብዝብል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ስራሕ ክንቆፅሮኩም ኢና ከምኡ እውን ዕድላት ትምህርቲ ነመቻችው ኢና ዝብሉ ናይ ሓሶት ውልቀሰባትን ትካላትን ምህላዎም ኣብቲ መግለፂ ኣረዲኦም።

እዞም ናይ ሓሶት ውልቀሰባትን ትካላትን ብወገን ዝምልከቶም ትካላት ክትትል እናተገበረ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ካብ ወፃኢ ሃገራት ትምህርትን ዕድል ስራሕን ብዝተትሓሓዘ ማሕበራዊ ሚድያ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ሕብረተሰብ ከይታለል ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.