ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፍልሰት ንምቁፅፃር ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕ ምኽኒያታት ዘጋጥም ፍልሰት ንምፅናዕን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኔትዎርክ ሓለዋ ቀጣናዊ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ብሓባር ብምዃን ኣጀሚሩ።
ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ሓለዋ ቀጣናዊን ከባቢያዊን ምብራቕ ኣፍሪካ መኩሪያ ኣርጋው(ፕ/ር)፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢን ጎንፅን ልዑል ፍልሰት ሰባት ምህላዉ ተዛሪቦም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ቀጣና ዘጋጥም ፍልሰት ሰባት ምኽኒያት ንምፅናዕን ሓበራዊ ፖሊሲ ብምውፃእ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዓመት ልዕሊ 7 ክሳብ 10 ሚሊየን ሰባት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ከምዝዘዋወሩ ብምግላፅ፥ እቲ ፀገም ንምክልኻል ሓበራዊ ምትሕብባር የድሊ ኢሎም።
ብሚኪያስ ኣየለ